Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ  ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ  ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዴንግ ሊ ኤል ዘቲዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ርክብ ብዝምልከት ምልዛቦም ተሓቢሩ።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ከልቲአን ሃገራት ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳይ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ከምዘለወን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ መስ ቻይና ዘለዋ መትሕበባር ነምዕባይ ቁርፀኛ ከምዝኾነት አወነ ሓቢሮም።

ዴንግ ሊ ኤል ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ግደ ዘለዋ ቁልፊን ስትራተጂካዊትን  ሃገር ምዃና ገሊፆም።

ሃገሮም ኣብ መድረኽ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካን ማዕቐፍ ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭን ርክባ በዝበለፀ ክብ ንምባል ባህጊ ከምዘለዋ ምዝራቦም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.