Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ተንቀሳቓ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተዘሓሓለ ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ተንቀሳቓ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ።

“ሓድጊታትና ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገርና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸፈተ እቲ ኤግዚቢሽን፥ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያን ቢሮ ባህሊ፣ ሓድጊን ቱሪዝምን ክልል ሃረሪን ኣሰናዲኦምዎ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፣ ሓድጊን ቱሪዝምን ክልል ሃረሪ ተወለዳ ኣብዶሽ፥ እቲ ኤግዚቢሽን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓድጊታት ኣብ ምፍላጥን ተበፃሕቲ ምግባርን ዕዙዝ ብፅሒት ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ሕብረተሰብ ኣብ ኢትዮጵያዝርከቡ ሓድጊታት ብጭቡጥ ንኽግንዘብ ምግባር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓድጊታት ተሓሊዮም ናብ ወለዶ ክመሓላለፉ ምግባርን ዕላማ እቲ ኤግዘቢሽን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን፡፡

እቲ ተንቀሳቓሲ ኤግዚቢሽን፥ ኣብቲ ክልል ፍሰት በፃሕቲ ንምድንፋዕን ቁፅሪ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲ ንምውሳኽን ዓብዪ ታራ ከምዝህልዎ ምግላፀን ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ሙዚየም ኢትዮጵያ ደምረው ዳኜ ብግደኦም÷ ካብ ሕብረተሰብ ሓሊፉ ተምሃሮ ኣብ ክፍሊ ካብ ዝረኽቡዎ ፍልጠት ብተወሳኺ ብተግባር ዝረኸቡዎም ክእለታት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ኤግዚቢሽን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንተከታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታ ክፍቲ ኮይኑ ኣብ ዝፀንሕ ኤግዚቢሽን÷ ሉሲ (ድንቅነሽን) ሓዊሱ ካልኦት ሓድጊታት ንምርኢት ቀሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.