Fana: At a Speed of Life!

ኔቶ ንዩክሬን ጀታት ጦር ከይቐርባ ከልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃገራት ትካል ቃል ኪዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንዩክሬን ጀታት ጦር ከይቐርባ ውሳነ ምሕላፈን ተገሊፁ።

ዋላ እኳ ኪየቭ ንምዕራባውያኑ ፈተውታ ደጋጊማ ዘበናዊ ጀታት ጦር ክልእኻላ ትጎስጉስ እምበር ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበትን ተባሂሉ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ከም ፖላንድን ስሎቫኪያ ዝበላ ኣባል ሃገራት ኔቶ ስራሕቲ ነበር ሶቪየት ዝኾና ሚግ-29 ኤስ ዝተብሃላ ጀታት ክንልእኸልኪ ኢለን ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ፖላንድ ኣንድሬይ ዱዳ÷ ካብ 50 ዘይንእሳ ተዋጋእቲ ጀታት ጥራሕ ከምዝተረፈኦም ብምሕባር፥ ዘለወኦም ጀታት ንሃገሮም እውን ከምዘየኣኽላ ገሊፆም።

ጣሊያን እውን ተዋጋእቲ ጀታት ንኪየቭ ከምዘይተቕርብ ኣፍሊጣ፡፡

ትማሊ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጂዮርጂያ ሜሎኒን ፕሬዚዳንት ዩክሬን ዜሌንስኪን ድሕሪ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ቮሎድሚር ዜሌንስኪ “ሃገራት ናይ ባዕለን ቅዋም ናይ ምሓዝ ናፅነት ኣለወን” ከምዝበሉ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.