Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉትን ኢትዮጵያ ዓቕማ ዘርአየትሉን ኢዩ – ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉትን ኢትዮጵያ ዓቕማ ዘርአየትሉን ከምዝነበረ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲ 29 ሃገራትን 53 ሃገራት ኣፍሪካ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራን ተኻፊለን፡፡

እቲ ጉባኤ ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላት ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ምስ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተቐራራቢነት ከምዝነበሮ ኣልዒሎም፡፡

1 ሺሕ ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ነቲ ኩነት ከምዝፀብፀቡዎ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ኮሚቴ ብምጥያሽ እቲ ጉባኤ ደረጅኡ ዝሓለወ ኮይኑ ንኽሳለጥ ከምዝገበረ ኢዮም እቶም ኣቐባሊ ቃል ዝገለፁ።

ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ኣብቲ ጉባኤ ብንቕሓት ከምዝተሳተፈት ገሊፆም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.