Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ 2ይ ዙር 157 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ልዕሊ 2 ቢሊየን ብርን ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ኣብ ካልኣይ ዙር ልዕሊ 157 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩፀገማት ሓገዝ ንዝደልዩ 21 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ብዙር ዕለታዊ ሓገዝ ምግቢ እናተገበረ ይርከብ።

እቲ ሓገዝ ዓቕሚ እታ ሃገር ብዘገናዘበ መልክዑ ብመንግስቲን ብዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላትን ዝቐርብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ብ2ይ ዙር ዝሳለጥ ሰብኣዊ ሓገዝ 92 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 9 ለካቲት 2015 ዓ.ም ብዝተሰርሐ ስራሕ 157 ሺሕን 852 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክልል ትግራይ፥ 1 ሚሊየን 316 ሺሕ 848 ሊትሮ ነዳዲን 2 ቢሊየን 90 ሚሊየን 104 ሺሕን 761 ብርን ሓገዝ ንዝደልዩ ዜጋታት ተበፃሒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኩሎም ክፋላት ኢትዮጵያ ብዙሓት ዕለተዊ ሓገዝ ዝደልዩ ዜጋታት ምስ ምህላዎም ተተሓሒዙ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ተሓሩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.