Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኣሕዋት ኣፍሪካዊያን ብዝበለፀ ዘቀራርቡ ዘተታት ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ተኻይዶም- ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ኣሕዋትን ኣሕዋትን ኣፍሪካዊያን ብዝበለፀ ዘቀራርቡ ዘተታት ጎኒ ንጎኒ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኻየዱ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፣  ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ አርጋ፣ ምክትል ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል መላኩ ፋንታ፥ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለፂ፥ ምስ ኣሕዋትን ኣሕዋትን ኣፍሪካዊያን ብዝበለፀ ዘቀራርቡ ዘተታት ጎኒ ንጎኒ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኻየዱ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ንኣብነት ፕሬዚዳንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ኢምባሎ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘሳለጥዎ ዑደት፥ እቶም ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ አትሰርሖም ዘላ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ምዕዛቦም ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ንህንፀት ትካላት ዝሃቦ ጠመተ ምግንዛቦም ሓቢሮም።

ምክትል ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል መላኩ ፋንታ ብግደኦም፥ እቲ ጉባኤ ብመንፅር ፀፅታ ምንም ፀገም ከይተፈጠረ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ቅድሚ እቲ ጉባኤን ኣብ እዋን እቲ ጉባኤን ዝሰርሖም ስራሕቲ ከምኡውን በህዝቢ ዝተለመደን ቅኑዕ ተሓባባሪነትን ክዕወት ምግባሩ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፥ እቲ ጉባኤ ዴፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ንምስላጥ ዝሓገዘ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።

ብተሳትፎ እውን ክብ ዝበለ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

 

ብሃብታሙ ተክለ ስላሴ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.