Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትሕብባር ትካላት እምነት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 21 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትሕብባር ትካላት እምነት ከምዝካየድ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዕላማ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ሞንጎ ኣቢያተ እምነት ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ምርድዳእ ምድንፋዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ እዋናዊ ፈተናታት ዓለም ትኹረት ብምግባር ምይይጥ ከምዝግበርን ብሓንፀፅቲ ፖሊሲ መፍትሒ ሓሳባት ከምዝቐርብን ኣብሪሁ።

እቲ ጉባኤ በቢዓመቱ ፅባሕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝካየድ እውን ተገሊፁ።

ብወንድሙ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.