Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ምዝዛሙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት 13፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ መበል 36 መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ምዝዛሙ ገሊፁ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ጉባኤ ብሰላም ንምዝዛም ዘኽአሉ ስራሕቲ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ምስ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ዕዮ ሕብረት ኣፍሪካን ብምውዳድ እቶም መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ስነሰርዓት ኣቀባብላን ከይዲ እቲ ኣኼባ ብቕርበት ኣብ ምክትታልን ዕቱብ ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ድሕንነትን  ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ዝተውፃእፅአ ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ እቶም ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እንትእቀሳቐሱ ኣድላዪ ሓለዋን ዕጀባን ምግባሩ ከምዝተገበረን እቲ ሓለዋ ንምስላጥ ዘኽእሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ከምዝነበረን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቶም ኣጋይሽ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣትዉ ጀሚሮም ምንም ዓይነት ፀገም ፀፅታን ድሕንነትን እንተየጋጠመ ምስ መላእ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ኢሉ እውን ኢትዮጵያን ብምዃን ብብርኪ ሃገር ውፅኢታዊ ተግባር ፀፅታ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።

ብመሰራት እዚ ንመላእ ህዝቢ፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ሓይሊታት ፀጥታን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.