Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ካብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ምግላል ኢ-ፍትሓዊ ኢዩ-ሙሳ ፋኪ መሃመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ካብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ምግላል ኢ-ፍትሓዊ ኢዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት ገሊፆም።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ሃገራት ማእኸለል ዝገበተን ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘረጋግፅን ንክኸውን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዘንፀላለዉ ፀገማትን ምስኦም ዝመፅኡ ፈተናታትን ቀዲምና ብምግንዛብ ብሓባር ክንሳገሮም ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ናህሪ ዋጋ፣ ዋጋ ነዳዲ ምውሳኽን ጎንፂታት ዝብሉ ኣብ ኣፍሪካ  ፀገማት ኮይኖም ምቕፃሎም ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብታ ኣህጉር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንክህሊ ዝገብር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ናፃ ቀጠና ንግዲ  ኣፍሪካ ዕላዊ ንክኸውን መሰረተ ልምዓት፣ ኢነርጂን ዲጂታላይዜሽንን ምቅልጣፍ ይግባእ ብምባል፥ እዚ ድማ ናፃ ቀጠና ንግዲ  ኣፍሪካ ዕላዊ ንክኸውን ቀንዲ መሰረት ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፖለቲካን ድሕንነትን ሐዚ እውን ፈተና ኮይኖም ይቕፅሉ ከምዘለዉ ብምሕባር ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብምጥሓስ ዝግበሩ ዕልዋ መንግስታት ሃገራት ናይ ምብታን ሓደጋ ንከንፀላልወን ዝገበሩ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዕላዊ ንክኸውን ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.