Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጉድኣት ንዘጋጠሙ መሰረተ ልምዓታት ማይ ንምፅጋን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ጉድኣት ንዘጋጠሙ መሰረተ ልምዓታት ማይ ንምፅጋን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ፥  ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ዘጋጠሞም መሰረተ ልምዓታት ማይ ብምፅጋን ኣገልግሎት ማይ ተቛሪፁዎም ዝነበሩ ከባቢታት ዳገም ንምጅማር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እቶም ፀገማት ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ርሑቕ እዋንን ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕቲ ይውገን ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ስራሕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት በምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ክሳብ ሐዚ ኣብተን ክልላት ልዕሊ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ዳግም ኣገልግሎት ማይ ክረኽቡ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጉድኣት ንዘጋጠሙ መሰረተ ልምዓታት ማይ ንምፅጋን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ብመላኩ ገድፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.