Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን መልክዑ ንምኽባር ምድላው ከምዝጀመረ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን መልክዑ ንምኽባር ምድላው ከምዝጀመረ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴው ምስ ሚኒስቴር ምክልኻል፣ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ከምኡ እውን እቲ በዓል ብድምቀት ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ኢዮም ተባሂሎም እምነት ምስ ዝተነበረሎም ኣካላት ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ÷ ዓወት ዓድዋ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣብ ሞንጎ ባዕዳዊ ገዛእቲ ጣሊያንን ንናፅነት ዝተቓለሱ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኣብ ጎቦታት ዓድዋን ከባቢኡን ብዝተገበረ ኲናት ኢትዮጵያውያን ንፀላኢ ብምስዓር ዘንፀባርቕ ዓወት ዝተጎናፀፉሉ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ታሪኽ ቃልሲ ኣፍሪካውያን ዝቐየረ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ ዓወት ብቐሊሉ ዝተረኸበ ዘይኮነስ ብዙሓት ጀጋኑ ኢትዮጵያ ናይ ህይወት መስዋእትነት ከፊሎም ንደቆም ዝሃቡዎ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ብግደኦም÷ “ዓወት ዓድዋ ኣብ ሓደ ዝኾነ ሓደ ዓውደ ውግእ ዝተረኸበ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ዘበንን ተሳጋሪ ታሪኽ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብ መዓልቲ እቲ በዓል 21 ግዘ መድፍዕ ከምዝትኮስ፣ ጀጋኑ ሓርበኛታት ንምዝካር ምስ ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ኣደባባይ ዳግማዊ ሃፀይ ሚኒሊክ ሕቑፊ ዕምበባ ከምዝቕመጥ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.