Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ስፔንን ማዕቀፍ ስምምዕነት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር 5 ዓመት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ስፔንን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ዝመርሓሉ ማዕቀፍ ስምምዕነት 5 ዓመት ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስፔን ሆሴ ማንኤል ኣልባሬስ ቤኖን ፈሪሞምዎ፡፡

ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፌርማ÷ ኢትዮጵያን ስፔንን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ፀሪሖም፡፡

ኣብዚ ህዚ እዋን መንግስቲ ስፔን ብብርኪ ዓለም ኣብ ተበፃሕነት ጥዕና፣ ልምዓት ገፀርን ስርዓት ማዕርነት ፆታን እናበርከተቶ ትርከብ ሓገዝ ንኢዶም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ፕሮግራም ሓንፂፁ ንምምፃእ፣ ዘፈር ውልቀ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዎ ተሳትፎ ንኽጉልብትን ሓደሽቲን ነባራትን ዓውዲታት ኢንቨስትንት ንኽስፋሕፋሕ ብዕቱብ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስፔን ሆሴ ማንኤል ኣልባሬስ ቤኖን ብግደኦም÷ ሓዱሽ ዝተፈረመ ማዕቐፍ ምትሕብባር ሓሙሽተ ዓመት፤ ርክብ ኢትዮጵያን ስፔንን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ኣመልኪቶም፡፡

ስፔን ዓለም ለኸ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ምስ መንግስታት ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ከምትርከብ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.