Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሶሎሞን ኳይኖር ተዛቲየን።

መናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ግቡእ ሓገዝ ፋይናንስ ንኽረኽቡ ኣብ ምግባር ራኢ ሃገር ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል ቀዳማይ ተግባር ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ብክእለት ዝበቕዑን ብሓሳብ ፈጠራ ስራሕ ዝተቓነዩ ዜጋታት ንምፍራይ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ትልሚታት እናተተግበሩ ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

እቲ ትካል ምስ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝተትሓሓዙ ዓውዲታት ብምሕዝነት ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሶሎሞን ኳይኖር ብግደኦም÷ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ትግባራት መካተቲ ፋይናንስ፣ ቢዝነስ ኢንተርፕርነርሺፕን ልምዓት ስነ-ምህዳር ቢዝነስ ሓገዝ ትካላት ፋይናንስ ድጋፍን ኣብ ዝምልከቱ ሰለስተ ዓምዲታት ትኹት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ብብርኪ ፈተነ እናተተግበረ ኣብ ዝርከብ ፕሮግራም÷ መናእሰይ ብዘፍሉይ ኩነታት ተረባሕቲ ክገብር ዝኽእል ሓገዝ ፋይናንስ ስርዓት ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ፋይናንስ ብዝተሓተ ወለድ ወይ እውን ብዘይ ወለድ ዝወሃብ ፍትሓዊ ስርዓት ዘካተተ ከምዝኾነ ፈጠርጢ ስራሕ መናእሰይ ዘለዎም ሕፅረት ፋይናንስ ብምፍታሕ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ርኡይ ግደ ከምዝፃወት ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.