Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ናሚቢያን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ሰምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ናሚቢያን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ሰምምዕነት ተፈራሪመን

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብርሃም በላይን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስስትርን ሚኒስትር ምትሕብባር ዓለም ለኸ ርክባትን ናሚቢያ ኔቱምቦ ናንዲ ንዳይትዋህን ተፈራሪሞምዎ።

ሚነስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ክዝበሉዎ÷ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ምትእስሳር ዴሞክራሲያዊ ኣለወን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ምክልኻልን ፀፅታን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ እውን ገሊፆም።

ወታደራዊ ስልጠና ኣብ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ካልኦት ዓውዲታትን ስልጠናታት ህንፀት ዓቕሚ ንምስላጥ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ኣብሪሆም።

ኔቱምቦ ናንዲ ንዳይትዋህ ብግደኦም÷ “ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ናፃ ምውፃእ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናሚቢያ ብዕምቆት ዝተኣሳሰረ ኢዩ” ኢሎም።

ናሚብያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ኣብ ዝወፅአትሉ እዋን ተሳትፎ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝነበረ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ናሚቢያን ጥንኩር ምትሕብባር ንምፍጣር መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.