Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ተገይሩ – ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምግባር ወፍሪ ወሲዱ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከተማና ኣዲስ ኣበባ እንትካየድ መላእ ነበርቲ እታ ከተማ ብፍፁም ኢትዮጵያዊ ጨዋነትን ጋሻ ተቐባላይነትን ብተግባር ብዝገልፅ ኣኽብሮት እቲ ጉባኤ ብሰላም ንኽዛዘም ትፅቢት ዝግበረሎም ሓገዝን ምትሕብባርን ኣብ ምግባር ንደሓር ከምዘይብሉ ዝሓለፉ ዓመታት ዓወታት ህሉዋት ምስክራት ኢዮም” ኢሉ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን እውን ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ገይሩ ወፍሪ ብምውሳድ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ መራሕቲን ዲፕሎማሰኛታትን ድሕንነቶም ምርግጋፅ ሓላፍነት ኣካላት ፀፅታ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ግብረ ሓይሊ÷ እዚ ተግባራዊ ንምግባር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡

ኣብ ሆቴላት፣ መዘናግዒ ቦታን ዕዳጋን ከምኡ እውን ኣጋይሽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ፍሉይ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሁ።

ነበርቲ ክተማ ኣዲስ ኣበባ ገበናት ከይፍፀሙን ዝኾነ ይኹ ስግኣት ድሕንነት ከይህሉ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዶም ብምስራሕ ከምወትሮም ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕባርን ንኽገብሩ ሓቲቱ፡፡

ብፍላይ መገዲታት ኣብ ዝዕፀዉሉ እዋን ኣሽከርከርቲን እግረኛታትን ብትዕግስቲ ብምፅባይ ወይ እውን ካሊእ ኣማራፂ መገዲ ብምጥቃም ኣብ ህንፀት ምስሊ ሃገር ግደኦም ንኸበርክቱ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙን ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብን ብቑፅሪ ስልኪ 011-111-01-11፣ 011-552-63-03፣ 011-552-40-77፣ 011-554-36-78 ን 011-5-54-36-81 ከምኡ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 987፣ 991 ን 816ን ሓበሬታ ምሃብ ከምዝከኣል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.