Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ንምትግባር ፃዕሪታት ክቕፅሉ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ተረባሕነት ኣፍሪካውያን ዘረጋግፅ ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ንምትግባር ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ ገሊፆም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ኢንዱስትሪን መዓድንን ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ÷ ፕሮጀክት ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝርከበሉ ዝርከበሉ ኩነታት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ናፃ ንግዲ ቀጠና ካብ ካይሮ ክሳብ ደበቡብ ኣፍሪካ፣ ካብ ሞሪሺየስ ክሳብ ኬፕቨርዲ ዘሎ ሰፊሕ ዕዳጋ ዝምልከትን ተረባሕነት ሚሊየን ኣፍሪካውያን ዝገብርን ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዘፈር ምፍራይ፣ ሕርሻ፣ ትራንስፖርት፣ ትምህርቲን ስልጠናን ሓዊሱ ብዙሓት ዕድላት ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

1 ሚሊየን ኪሎ ሜትሮ ራዲየስ ዝኸውን ከባቢ ብሓባር ምትእስሳር÷ ንሓበራዊ ልምዓትን ምዕባለን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣፍሪካ ብትራንስፖርት ንምትእስሳር ዝበረታትዑ ፃዕሪታት ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር÷ እዚ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ንፖለቲካዊ ሓድነትን ጥንኩር ኣፍሪካዊ መንነትን መሰረት ዘንብር ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ኣፍሪካ እኹል ዕዳጋን ናይ ምፍራይ ዓቕሚን ስለዘለዋ፤ ንተግባራዊነቱ ቆራፅነት መንግስታት ከምዝሓትት ኣገንዚቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ሃብታሙ ተክለሥላሴን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.