Fana: At a Speed of Life!

ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ፈላማይ ፎረም ፓን ኣፍሪካኒዝም ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ፈላማይ ፎረም ፓን ኣፍሪካኒዝም ቀፃሊ ሰንበት ከምዘካይድ ተገሊፁ።

እቲ ኣካዳሚ ዘካይዶ ፎረም ሱሉልታ ኣብ ዝርከብ ማእሐል መሸልፀኒ እቲ ኣካዳሚ ኢዩ።

ኣብቲ ፎረም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ መራሕቲ ሃገራትን ቀዳማዊት እመቤታትን ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ፍሉጣት ምሁራን ኣብቲ ፎረም ፅሑፎም ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ፎረም 300 ኣጋይሽ ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

በቢዓመቱ ጎድና ጎድኒ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝካየድን ኣብቲ መድረኽ ዝለዓሉ ሓሳባት ፅዕንቶ ክፈጥሩ ንምግባር ከምዝስራሕን ተገሊፁ።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.