Fana: At a Speed of Life!

መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ኣብ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ተወከልቲን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ክሳተፉ ኢዮም።

ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ ሚኒትራት ጉዳያት ወፃኢ÷ ሚኒስትራት ሶማሊያ፣ ናይጄሪያ፣ ኮሞሮስ፣ ታንዛንያ፣ ኢስዋቲኒ፣ ሴራሊዮን፣ ኮትዲቯር፣ ማእከላዊ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ፣ ዚምባቡዌን ማሊን ይርከቡዎም።

ኣብ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ቀዋሚ ኮሚቴ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝገበሮ መበል 45 ስሩዕ ኣኼባ ዝተዛተየሎም ዛዕባታት ከምዝቐርቡ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ÷ በቲ ኮሚቴ ዝቐረቡሉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ “ተግባራት ኣህጉራዊ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ምቅልጣፍ” መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ 2023 ኮይኑ ንኽስየም ኣብ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ከምዝዛተ እውን ተገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘተኡ ዘፅደቖም ዛዕባታት÷ ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከቕርብ ኢዩ።

ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት÷ 11 ን 12ን ለካቲት 2015 ዓ.ም ከምዝካየድ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.