Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ጉዳያ ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያ ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መበል 42 ጉባኤ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያ ጆፍሪ ኦኒያማ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ÷ ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ሓላፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባበል ተገይሩሎም፡፡

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮትዲቧር ጃሚላ ሴኔቪራ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ዝዝሳተፉ ኣጋይሽ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ይርከቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.