ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ እቲ 80 ሚኢታዊ ፍሪያት ተኣኪቡ-ሚኒስቴር ሕርሻ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ 13 ነጥቢ 95 ሚሊየን ሄክታር መሬት እቲ 11 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሔክታር ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘዳለዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝበሎ፥ ብመስኖ 1 ነጥቢ 32 ሚሊየን ሄክታር መሬት ንምሕራስ ተተሊሙ ክሳብ 24 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም 1 ነጥቢ 36 ሚሊየን ሄክታር ተሓሪሱ።
ካብዚ እቲ 1 ነጥቢ 24 ሚሊየን ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተሓቢሩ።
ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም 14 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ድማ ተገሊፁ።
ካብቲ ዝተሓረሰ መሬት እቲ 19 ነጥቢ 14 ሚኢታዊ ብዘበናዊ ትራክተራት ከምዝተሓረሰ ኣብቲ ፀብፃብ ተሓቢሩ።
1 ነጥቢ 17 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ፣ 122 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዝቐረበ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።