Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ስራሕቲ ተግባራዊ ልምምድ ዕጀባን ፀጥታን ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ዋና ዋና መገዲታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ስራሕቲ ተግባራዊ ልምምድ ዕጀባን ፀጥታን ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዘሳልጦ ስራሕቲ ዕጀባን ፀፅታን÷ ኩሎም ኣካላት ፀፅታ ዝተሳተፉሉ ወታደራዊ ተግባራዊ ልምምዱ ኣብ ዋና ዋና ጎደናታ እታ ከተማ ብዕዉት ኩነታት ምስላጡ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓበራ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዓበይቲ ዓም ለኻዊን ኣህጉራዊን ጉባኤታት ብሰላም ንኽዛዘሙ ንስርሑ ዝምጥን ተግባራዊ ልምምድ እናገበረ ምፅንሑ ዝዝከር እንትኸውን÷ ዝቕፅል ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪክ ምኽንያት ብምግባር ድማ ስራሕቲ ዕጀባን ፀፅታን መሰረት ዝገበረ ልምምድ ብምግባር ዛዚሙ ተባሂሉ፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ወታደራዊ ልምምድ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንዘርአዩዎ ቅኑዕ ምትሕብባር ሓበራዊ ፀፅትን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ኣብቲ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብሩ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.