Fana: At a Speed of Life!

ምትእስሳርን ትሕብብርን ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ-ኣምባሳደር ጀማል በክር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በክር ምትእስሳርን ትሕብብርን ንግዲ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምጥንኻር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምስ ቴሌቪሽን ፓኪስታን “PTV World” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ካብ ዝጅመራሉ ዓመት ኣትሒዙ ስጡም ርክብ ምምስራተን ኣዘኻኺሮም።

እተን ሃገራት ኣብ ምዕቃብ ሰላም ንዓለም ልዑል ኣበርክቶ ገይረን ኢየን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ ብፍላይ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ላይበሪያ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ክቡር ህይወት ብምኽፋል ንሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዝነኣድ ተግባር ምብርካተን ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ዓለም ለኻዊ ዛዕባ ኣብ ዝኾነ ለውጢ ክሌማ ፅኑዕ እምነት ብምሓዝ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ብዓለም ለኻዊ ሰደድ ካርበን ብዝስዕብ ጉድኣት ንከይህሰያ ፍትሓዊነት ክነግስ ኣብ ምግባር ኣብ መድረኻት ዓለም ዝተገበረ ቃልሲ ከም ኣብነት ረቚሖም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታን ዘሎ ክልቲኣዊ፣ ዞባዊን፣ ዓለም ለኻዊን ርክብን ካልኦት ጉዳያትን ጠሚቱ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ሓደ መዐቀኒ ፅኑዕ ርክብ ሃገራት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ምትሕብባርን ሃገራት ዝግለፀሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዋላ እንተሃለወ ትካላዊ ምትእስሳር ፈጢሩ ክልቲኦም ህዝብታት ብማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መገዲ ኣብ ምትእስሳር ክፍተት ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ንግዳዊ ምትእስሳር ብምፍጣር ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ ዘኽእል ስምምዕ ንምግባር ልኡኻቱ ናብታ ሃገር ከምዝሰድድ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ሚኒስቴር ንግዲ ፓኪስታንን ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ፌዴሪኢን ሰነድ ስምምዕነት ትካላዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚን ምትሕብባርን ክኽትሙ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ስምምዕ ምትእስር ቴክኖሎጂ፣ ኣቬሽን ቴክኖሎጂ፣ ንግዲ፣ ለውጢ ክሌማን ካልኦት እወንታዊ ተግባራትብ ብምትሕብባር ብምዕማም ተረባሕነት ህዝቢታት ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ወነንቲ ስልጣነ ምዃነን ብምግላፅ፥ እቲ ስምምዕ ርክበን ካብ ምብራኽ ብተወሳኺ ኩለ መዳይ ተረባሕነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.