Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓዱሽ ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓዱሽ ማዕቐብ ከምዘንበረት ተገሊፁ።

እቲ ማዕቐብ ዝተነበረ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣሜሪካ(ፔንታጎን)”ስለላ” ኢዩ ኢሉ ዝጠርጠሮ ተንሳፋፊ ጓንቲ ቻይና ብሚሳኤል ወቒዑ ድሕሪ ምውዳቑ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ምስ ቻይና ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ሽዱሽተ ኩባኒያታት ዘነፃፀረ ማዕቐብ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ንግዲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ናይ ቻይና “ወተሃደራዊ ምምሕያሻት ብፍላይ ምስ ኤሮስፔስ ፕሮግራማት ዝተዛመደ ምንቅስቓሳት” ብምድጋፍ እቶም ትካላት ኣብ ፀሊም መዝገብ ምስፋሮም ኣብሪሁ።

ካብ መንጎ እዚኦም ቻይና ንስለላን ድሕንነትን እትጥቀመሎም መርከባት፣ ተንሳፈፍቲ ጓንቲታትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ነገራትን ከምዝርከብዎም ኣርቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.