Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 100 ዘመናዊ ኣብቶቡሳት ትራንስፖርት ከተማ ስራሕ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 100 ዘመናዊ ኣብቶቡሳት ትራንስፖርት ከተማ ስራሕ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ፀገም ትራንስፖርትን መገዲን ንምቕራፍ እቲ ምምሕዳር ከተማ ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

200 ዝተረፋ ኣብቶቡሳት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዝኣትዋ ድማ ሓቢረን።

ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት እቲ ምምሕዳር ሞትኩ ኣስማረ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣዩ ፀገማት ትራንስፖርት ንምቕራፍ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እተን ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ኣቡቶቡሳት ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመለን ከምዝኾና ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ካሜራ ድሕንነትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝተገጠመለን ኢየን ተባሂለን።

እተን ኣብቶቡሳት 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረለን ከመዝኾና ተሓቢሩ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.