Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሕርሻ ምስ ተወካሊ ዓለም ለኸ ትካል ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ምስ ተወካሊን ዳይሬክተርን ዓለም ለኸ ትካል ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ማዊራ ቺቲማ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ብዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ ዝተሳለጡ ስራሕቲን ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ትኹት ኣብ ዝጠልቡ ስራሕቲ ትኹት ገይሮም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ልምዓት መስኖ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ብሓባር ንምስራሕ እውን ተዛቲዮም።

ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ÷ ማይ ብሰፊሑ ንልምዓት ንምውዓል ኣብ ዝግበር ከይዲ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብፍሉይ ጠመተ ከምዝስራሕ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ።

ካብ ሞንጎ ተሓራሳይ 14 ሚሊየን ሄክታር መሬት 7 ሚሊየን ሄክታር ብኣሲድ ዝተጠቕዐ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ “ኣብ ቀፃሊ ኣብ ጥዕናን ምልማዕ መሬትን ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

ብምኽንያት ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ዋጋ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) ብሰለስተ ዕፅፊ ስለዝወሰኸ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ምድላው ኮምፖስት ብዕቱብ ክስራሕ ኢዩ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.