Fana: At a Speed of Life!

ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር ልዕሊ 506 ሺሕ ኩንታል ሽኮር ከምዘፍረያ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርባዕተ ፋብሪካታት ሽኮር 506 ሺሕን 121 ኩንታል ሽኮር ከምዘፍረያ ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡፁ።

እቲ ፍርያት ንሕብረተሰብ እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ዋና ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ተሳትፎን እቲ ግሩፕ ረታ ደመቀ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ካብ መወዳእታ ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ክሳብ ትማሊ ፍርያት ሽኮር ዘፍረያ ፋብሪካታ ወንጂ፣ ፊንጫ፣ ኩራዝ 2ን ኩራዝ 3ን ከምዝኾና ፀሪሖም፡፡

ፅባሕ ድማ ፋብሪካ ሽኮር መተሃራ ሽኮር ምፍራይ ከምዝጅምር ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ፋብሪካታ ጣና በለስ፣ ከሰምን ኣርጆ ዴዴሳን ኣብ ቀፃሊ ናብ ፍርያት ከምዝኣተዉ ኣመልኪቶም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.