Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተወሃብ መግለፂ

ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተወሃብ መግለፂ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲን ብውሽጣዊ ኣሰራርሓን ክፍታሕ ከምዘለዎ መንግስቲ ይኣምን፡፡

ሃገራዊ ትካላት ሓድነቶምን ጥንካረኦምን ሓሊዮም ንክፀንዑ፤ ቅድሚ ሐዚ እውን ፀገማት ኣብ ዘነበርሉ እዋን መንግስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ኩሉ እናገበረ ፀንሑ እዩ፡፡ እቲ ፃዕሩ ሕዚ እውን ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ፡፡

ሓድነት እተን ትካላት ዝፈታተኑ ፀገማት ካብ ውሽጢ እንትልዓሉ ብዘተን ብውሽጣዊ ኣሰራርሓን ንክፍታሕ ደገፍ እናገበረ ነይሩ፡፡ ብጭቡጥ እውን ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ መንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲን ብውሽጣዊ ኣሰራርሓን ክፍታሕ ከምዘለዎ ብመሰረት ኣሰራርሓ እታ  ቤት ክርስትያን ንክፍታሕ ኩሎም ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ፡፡

ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ንክልቲኦም ወገናት ብምቅርራብ እቲ ፀገም ብዝሰኸነ መገዲ ንክፍታሕ ክገብሩ ይግባእ፡፡

ኣመንቲ እውን እቲ ፀገም ክተሓላለኽን ንረብሓ ካልኦት ኣካላት ካብ ምዃንን ክዕቀቡን ሃናፂ ግደ ክፃውቱን ይግባእ፡፡

ኣካላት ፀጥታ፤ ሰላምን ፀጥታን ትካላት እምነትን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ህዝብን ክኽብር ግብኡ እዩ፡፡ ጎንፂ ዘጋድዱ ኣካላት ድማ ስርዓት ክሕዙ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም፡፡

ኣካላት ሚድያ ፀገማት ዘጋድዱ ነገራት ካብ ምቕራብ ክቑጠቡ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ኢሉ እውን መላእ ህዝቢ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ንክገብር መንግስቲ የተሓሳስብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.