Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ውሃብቲ ትካላት ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና እኹል ግንዛበ ንክህልወን ይስራሕ ኣሎ – ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ምስ ፍሰት ቱሪዝም ተኣሳሲሩ ናብ ትግራይ ዝኣትው ዑደተኛታት ጥንቃቐ ዝተመለኦ ግልጋሎት ንክህባ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ምሃብ ምጅማሩ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን ከምዝበለኦ፥ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 45 ሽሕ ዑደተኛታት ወፃኢን ልዕሊ 200 ሽሕ ዑደተኛተት ውሽጢ ዓድን ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካዶም እዮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ስግኣት ዓለም ኾይኑ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ፍሰት ቱሪዝም ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከሕድር ይኽእል እዩ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ ኣብ ክሊ እዚ ግና ቢሮ ባህሊ ክልል ትግራይ ኣባል እቲ ዝተጣየሸ ክልላዊ ግብረ ሓይሊ ብምዃኑ ንመስሕባት ቱሪዝም፣ ዑደት ንዝገብሩ ዑደተኛታት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ኣድላዪ ግንዛበ ንኽህልዎም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ስራሕ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣብሪሀን።

ብዛይድ ተስፋይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.