Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕብተረሰብ ቅድመ ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና ንኽገብር ሓበሬታ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ቅድመ ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና ንኽገብር ተኸታተልቲ ሓበሬታ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ከተማ ምምሕዳር ከምዝገለፆ፥ ኣብዚ ሶሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ቫይረስ ኮሮና ኣቐዲሙ ንምክልኻልን ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ኣድላዪ ቅድመ ጥንቃቐ ንኽገብርን ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ ኢዩ።

ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣይተ ነስረዲን ማሕሙድ ከምዝገለፁዎ፥ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ እኹል ግንዛበ ክህልዎ ንምግባርን ምስቲ ቫይረስ ተተሓሓዝቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ተበፃሕቲ ንምግባርን ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ኣወዳድባታት ኮሙዩኒኬሽንን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምስታፍ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ትራንስፖርትን ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖም ቦታታትን ንሕብረተሰብ ሓበሬታታት ቅድመ ጥንቃቐ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ መሐለዊ ፅሬትን ካልኦት መከላኸሊ መሳርሒታትን ኣግባ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ናጋዶ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽውሰድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሕብረተሰብ ምስቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣግባብ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶን ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ዝህቡ ኣካላትን ኣብ ምቅላዕ ዝገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣይተ ነስረዲን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.