Fana: At a Speed of Life!

ብከንቲባ ኣዳነች ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝነብሩ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከንቲባ ኣዳነች ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዝነብሩ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዘቲዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ እዋናዊ ዛዕባን ዳያስፖራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝሳተፍሉ ዕድላትን ብዝምልከት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ከንቲባ ኢዳነች፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፖለቲካ፣ኢኮኖሚን ማህበራዊን ዓወታት ተመዝግብ ከምዘላቀ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ኣንፃራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ይርአ ከምዘሎ ድማ ኣረዲአን።

ሃገር ንምድሓን ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ፥ ኣባላት ዳያስፖራ ብፍልጠቶም፣ ሃፍቶምን ዲፕሎማሲን ብምስታፍ ታሪኻዊ ኣሰር ምዕራፍ ምኽኣሎም ዘኹርዕ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ቀዳምነት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውዲታት ህንፀት ኣባይቲ፣ ቱሪዝም፣ ትምህርቲን ኢንዱስትሪን ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ንምውፋር ዝመፅኡ ኣባላት ዲያስፖራ ኣድላዬ ደገፍ ከምዝግበር ምግላፀን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.