Fana: At a Speed of Life!

ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ንምሕላፍ ዝፈተኑ ሰራሕተኛታት ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተውሃቦም ሓላፍነት ንጎኒ ብምሕዳግ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ንምሕላፍ ዝፈተኑ ክልተ ሰራሕተኛታት ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክትትልን ቁፅፅርን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ክገብሩ ዝተመደቡ እቶም ሰራሕተኛታት÷ካብ ወፃኢ ናይ ዝኣትዉ መገደኛታት ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብምርካብን ሓቢኦም ንምሕላፍን እንትፍትኑ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዙ ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኤርፖርት ኮሚሽን ጉምሩኽ 12ን 13ን ጥሪ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ካብ መንግስቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ሽፋን ብምግባር 42 ዘበናዊ ስልኪታትን ብዙሓት ቦርድ ስክሪን ስማርት ስልኪን ኣብ ቦርሳ ብምሕባእ ሒዞም ንምውፃእ ዝፈተኑ ክልተ ሰራሕተኛታት ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.