Fana: At a Speed of Life!

ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ 6 ዓይነታት ፍርያት ናብ ዓለም ለኸ ዕደጋ ክፅምበሩ ከምተዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ 6 ዓይነታት ፍርያት ናብ ዓለም ለኸ ዕደጋ ክፅምበሩ ከምዝገበረ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ሚኒሰቴር ኢንዱስትሪ ፌዴሪኢ በጀት ዓመት 2015 ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ጎንደር የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ኢትዮጵያ ተፍርይ፣ ፍርያታውነት ኢንደስትሪ ንምዕባይ፣ ካብ ደጋ ኣታዊ ዝግበሩ ፍርያታት ንምትካእን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብን ዘኽእሉ ፍርያታት ኣቲ ዓውዲ ዓቕሚ ምፍራይ ዝፍትኑ ሕፅረት እታዎት፣ ውስንነት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ካልኦትን ፀገማት ብሓባር ብምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ምህላዉ ገሊፆም።

ውዕሊ ሰላም ስዒቡ ብኲናት ዝተጎድኡ ከባብታት ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ንምጥንኻር እናተሰርሐ እዩ ብምባል፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ጉድለትን ዝድለ ትሕዝቶ ዓቕሚን  ኢንደስትሪታት ትኹረት ዝገበረ መፅናዕቲ እናተኻየደ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ኣብ ጎንደር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስትር መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ቀዋሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መዓድን ኢንዱስትሪ ንግዲን፣ ምምሕዳራት ክልላትን ከተማታትን፣ ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮታት ኢንዱስትሪን ተፀዋዕቲ ትካላትን ተረኺቦም፡፡

ብምናለ አየነው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.