Fana: At a Speed of Life!

ፖሊሲ ፍትሒን ገበንን ፌዴሪኢ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ተተርጒሙ ከምዝተሓተመ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 8፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዘኛን ተሓቲሙ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ፍትሒን ገበንን ፌዴሪኢ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ተተርጒሙ ከምዝተሓተመ ተገሊፁ።

እቲ ፖሊሲ፥ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ኣምሓርኛን እንግሊዘኛን ኣብ ሓደ መፅሓፍ ተሓቲሙ ስነ- ስርዓት ርኽክብ ምፍፃሙ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ርኽክብ ድማ ዳይሬክተር ምርቓቕን ምስራፅን ሕጊ ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ በላይሁን ይርጋ፣ ምክትል ሓላፊ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ታከለ ጎሳን ሓላፊ ፕሮጀክት ፍትሒ ዩ.ኤስ.ኤይድን ተረኺቦም።

እቲ ፖሊሲ ፍትሒን ገበንን ፌዴሪኢ፥ ብሓግዝ ፕሮጀክት ፍትሒ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ) ተተርጒሙ ዝተሓተመ ኢዩ።

ኣይተ በላይሁን ይርጋ ኣብቲ እዋን ርኽክብ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ፖሊሲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክልል ምትርጓሙ ኣብ ተፈፃሚነቱ ርኡይ ግደ ኣለዎ።

እቲ ፖሊሲ ንኽሕተም ሓገዝ ንዝገበረ ፕሮጀክት ፍትሒ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ) እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.