Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ኮርፖሬሽን ፓርኪታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ምስ መራሒ ጉጅለ ኩባኒያታት ሩሲያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕን ኣመራርሓን ኮርፖሬሽን ፓርኪታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ፤ ምስ መራሒ ጉጅለ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣቲዮም ምፍራይ ድሌት ዘለዎም ኩባኒያታት ሩሲያ ተዛቲዮም።

እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ብዛዕባ ዘሳለጦምን ሃኒፁ ዘመሓድሮምን 13 ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታትን ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ኣድሂቦም ዝርዝር ሓበሬታታት ቀሪቦም ተዛቲዮምሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድሌት ዘርአዩ ኩባኒያታት ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣድላዪ ቅድመ ኢንቨስትመንት ምልከታታት ዝገብሩሉ ኩነታት ከምዝህሉ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.