Fana: At a Speed of Life!

በዓል ከተራ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ከተራ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ሎሚ ኣብ መላእ ሃገር ታቦታት ካብ ኣድባራት ወፂኦም ብካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ተዓጂቦም ናብ ጥምቀተ ባሕሪ ይወርዱ።

ታቦታት ምሕዳሮም ኣብ ጥምቀተ ባሕሪ ዝገብሩ እንትኾኑ፥ ብዝማረ ካህናትን ዲያቆናትን ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታትን ይሳለጡ።

ፅባሕ ድማ በዓል ጥምቀት ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ክኽበር ኢዩ።

በዓላት ከተራን የጥምቀትን ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ኣብ ኣደባባይ ብድምቀት ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.