Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ብተወካሊት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶ/ር አኔት ዌበር ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዝጠመተ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ወ/ሮ ሰመሪታ፥ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ንምጥያሽ ዝግበሩ ዘለዉ ተግባራት ኣብሪሀን።

ካልኣይ ዙር ሃገራዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ምዕባለ ልምዓት እዛ ሃገር ንምቅልጣፍ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ በዝምልከት እውን መብርሂ ሂበን።

ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ንምፅጋንን ልዑል ሃፍቲ ምትእኽኻብ ከምዘድሊ ኣረዲአን።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ከም ሕብረት ኣውሮፓ ዝበሉ መዳርግቲ ልምዓት ኣብቲ ኩነታት ዝገብርዎ ሰብኣዊ ሓገዝን ልምዓትን ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ዘለወን እምነት ምዝራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.