Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበፅሐ ስነ-ልቦናዊ መጉዳእቲ ንኽሓዊ እጃም ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዕዙዝ ክኸዉን ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብድሕሪ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበፅሐ ስነ-ልቦናዊ መጉዳእቲ ንኽሓዊ እጃም ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዕዙዝ ክኸዉን ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዘጋጠነ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊን በሰላ ከምዝበፅሐ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበራ ኣካቢት መሳርሕታት ልምዓትን መጓዓዝያን ከተማ ኣዲስ ኣባባ ወ/ሮ ልእልቲ ግደይ ሓቢረን፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕብየት፣ ልምዓትን ሰላምን ሃገር እናወፈየኦም ዝመፅኣ ብዙሓት ስራሕቲ ንኽቕፅሉን ንኽጠናኸሩን ብምኽንያት ኲናት ዝሓደረ ስነ-ልቦናዊ መጉዳእቲ ኣብ ምፅጋን ሙሁራን ደቂ ኣንስትዮ ብዕቱብ ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

“ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሕደሮ ኩለ መዳያዊ በሳላ ከቢድ እዩ” ዝበላ ወ/ሮ ልእልቲ÷ ዳግማይ ንኸየጓንፍ ደቂ ኣንስትዮ ሙሁራን ትግራይ ብፅሒተን ንኸወፍያ ፀዊዐን፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንላዕሊ ሳዕቤን ኲናት ዝረአያ ከም ምኻነን÷ ሐዚ ተራእዩ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ዘላቒ ኣብ ምግባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ብመቅደስ ሃ/ማርያም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.