Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲዩ።

ዕላማ እቲ ዘተ÷ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕነንትን ብምትሕብባር እቲ በዓል ሰላማዊ ክኸውን ንምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ በዓላት ከተራን ጥምቀትን ብሰላም ንኽኽበሩ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣድላዪ ምድላው ምግባሩ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል÷ እቲ ግብረ ሓይሊ ቅድሚ ሕዚ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ብሰላም ንኽኽበሩ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም፡፡

በዓላት ከተራን ጥምቀትን እዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር ብሰላም ንኽኽበሩ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡ ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.