Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ህንፀት ዝኸውን 17 ሺሐን 682 ካሬ ሜትር መሬት ካብ መንግስቲ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብ ተዋሂቡና ኢሎም።

ስለዝኾነ ብስም መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ አመስጊኖም።

ንግዚኡ ኣገልግሎት ዝህብ ቤተ ክርስቲያን ይዛዘም ከምዘሎ ድማ ገሊፆም።

በዓል ጥምቀት ኣብቲ ቦታ ንክኽበር ፃዕሪ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ቃል ከምዝተኣተወ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም።

ከምዚ ዝበሉ ቦታታት ትእምርተ ታሪክናን ዲፕሎማሲናን ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መንግስቲ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብ ከምዚ እንትገብሩ ንሕና ንወገናትና ካብዚ ንላዕሊ ከምእንገብር ትምህርቲ ክኾነና ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.