Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ነብዩ ስሑል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ብምዃን ተመዲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ብምዃን ተመዲቦም።

ኣተሓባባሪ ዘፈር ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ፓርቲ ብልፅግና ትግራይን ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ዝተውሃበ መግለፂ፥ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ብምዃን ከምዝተመደቡ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ምደባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣወዳድባ እቲ ፓርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዉ ዞባታትን ወረዳታተን ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.