Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ገይሮም ሾይሞም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ካብ 2 ጥሪ 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳዳር ምስጋኑ ኣርጋ ክሳብ ሕዚ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ-ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኮይኖም እናገልገሉ ምፅነሖም ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኳታርን ሕቡራት ኢሜሬታት ዓረብን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዘገልገሉ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.