Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ተፃዒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ክልል ትግራይ ነዳዲ ምጉዕዓዝ ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ክሳብ ዝሓለፈ ሰንበት 30 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ከምዝተፀዓነ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ገሊፁ።

ዳይሬክተር ቀረብ፣ ሎጂስቲክስን ክትትልን ነደዲ ፈቃዱ ሹመት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበዎ÷ 25 ቦጥ ናፍጣን 3 ቦጥ ቤንዚንን ናብ ከተማታት ሽረ፣ መቐለ፣ ኣጉላዕ፣ ውቕሮ፣ ዛላምበሳን ኲሓን ተፃዒኑ፡፡

ሕድሕደን 45 ሺሕ ሊትሮ ናይ ምፅዓን ዓቕሚ ዘለወን 28 ቦጣት ናብ ትግራይ ነዳዲ ከምዝፀዓና ኣረጋጊፆም፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ በቀለች ኩማ ብግደአን÷ 141 ሺሕን 151 ሊትሮ ቤንዚንን 1 ሚሊየን 189 ሺሕን 923 ሊትሮ ናፍጣን ብድምር 1 ሚሊየን 331 ሺሕን 074 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ተፃዒኑ፡፡

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.