Fana: At a Speed of Life!

135 ሺሕ 487 ሜትሪክ ቶን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን ከምኡውን 879 ሺሕን 980 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሐዚ 135 ሺሕ 487 ሜትሪክ ቶን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን ከምኡውን 879 ሺሕን 980 ሊትሮ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን  ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ  ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ 135 ሺሕ 487 ሜትሪክ ቶን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን 1 ነጥቢ 1 ቢለየን  ብር ናብ ትግራይ ተላኢኹ።

ስምምዕ ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ናብቲ ክልል ዝገብሮ ኣቕርቦር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እወን ተዛሪቦም።

ክሳብ 25 ታሕሳስ 26 ሰብኣዊ ሓገዝ በረራታት ከምዝተገበሩ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብሩ ዘለዉ ቁፅሪ መሻርኽቲ ኣካላት 119 ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.