Fana: At a Speed of Life!

ሶማሊያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ፕሬዚዳንት ሶማሊያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሶማሊያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ገሊፆም።

እዋን ስረሖም ዝዛዘሙ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶሊያ ዓብዱልፈታህ ዓብዱላሂ ሓሰን ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ተረኺቦም ነቶም ፕሬዚዳንት ደብዳበ ስንብት ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼክ ማህሙድ ኣብዚ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሶማሊያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ርክብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ንሶማሊያ ብዝገበረቶ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ወሳኒ ግደ እናተፃወተት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኣብዱልፈታሕ ኣብዱላሂ ሓሰን ኣብ ፃንሒቶም ዝተገበረሎም ድጋፍ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.