Fana: At a Speed of Life!

ብፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ልኡኽ መቐለ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበራ ሞላን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ማሕበርን ዝተመርሐ ልኡኽ መቐለ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ÷ ኣካቢ ቦርድ እቲ ማሕበር ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ትግራይ የማነ ዘርኣይ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን እቲ ጨንፈር ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ነቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ርኽክብ ተሸከርከርቲ ከምዝገብር ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ማሕበር ኣብቲ ክልል እናሳለጦ ዝርከብ ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ኣብ ቀፃሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝገብረሉ ኩነታትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክመያየጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.