Fana: At a Speed of Life!

ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘለዎ ከይዲ ፖለቲካ ንምውፃእ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣልቡርሃን ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ሱዳን ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘለዎ ከይዲ ፖለቲካ ንምውፃእ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣል ቡርሃን እዚ ዝበሉ÷ መበል 67 ዓመት በዓል ናፅነት ሱዳን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ኢዩ።

እቲ ናይ ስግግር መንግስቲ÷ ንኢኮኖሚያዊ ፀገማት ቅልጡፍ መፍትሒታት ንምትእልላሽ መርሃ ግብሪታት ንምስንዳእ፣ ዝተማለአ ህንፀት ሰላም፣ ፀፅታን ምርግጋእን ንምዕሳል ከምኡ እውን ሱዳን ንመረፃ ድልውቲ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

መራሕቲ ሃገርን ፖለቲካን ሰልፊታት ብምውዳድ ንህንፀት ሃገርን ሓድነትን መሰረት ንኸንብሩ ፃውዒት ምቕራቦም እውን ሽንዋ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.