Fana: At a Speed of Life!

ሓሳብ ምሁራን ብምክታት ጥንክርቲ ሃገር ምህናፅ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሳብ ምሁራን ብምክታት ጥንክርቲ ሃገር ምህናፅ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡
“ኣብ ህንፀት ሃገር ብፅሒት ምሁራን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ኣብ ሃገራዊ ፀገማት መርኣያ ኣንፈታት ኣድሂቡ ምኽክር ምሁራን የካይድ ኣሎ።
ተቐዳሚ ምክትል ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ከንቲባ ድረስ ሳህሉ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓባራዊ ዛዕባ ክህልዎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
“ስለዝኾነ ድማ ዝተረጋገአትን ህንፀት ሰላም ዝረኣየላን ሃገር ንክህልወና ምሁራን ብምምኽኻር ፍጻኽ ከምፅኡ ይግባእ” ምባሎም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.