Fana: At a Speed of Life!

ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና 1ይ ሱሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና 1ይ ሱሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኣዳማ የካይድ ኣሎ፡፡

<< ንኢትዮጵያን ኣፍሪካዊን ብልፅግና ዝተግህ መንእሰይ›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ፃኒሒቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክላዘብ ትፅቢት ይግበር::

ኩለመዳያዊ ምዕባለ እዛ ሃገር ንምርግጋፅ እጃም መናእሰይ ዝለዓለ እዩ ክብሉ ምክትል ፕረዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ዕዮን ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራሕ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ፕረዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ዕዮን ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራሕን ሓላፊ ዘፈራት ውድባት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራትን ኣለሙ ስሜን ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ እንትኾኑ፥ ፕሬዚዳንት እቲ ሊግ ኣስፋው ተክሌ ሓዊሱ ካልኦት ፃዊዒት ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ካብ መላእ ሃገር ዝተዉፃእፅኡ መናእሰይን እናተሳተፉ እዮም፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ÷ ፓርቲ ብልጽግና ብዘካየዶ መካተቲ ስራሕ፤ ተሳትፎ መናእሰይ ኣብቲ ፓርቲ 51 ሚኢታዊት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣስፋው ተክሌ ብግደኦም፥ ሃገራዊ ለውጢ ክመፅእ መናእሰይ ብርቱዕ ገድሊ ከመዝገበሩ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ትሩፋት ሌማትን ዘይትካእ እጃም ይዋፅኡ ምህላዎም ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክመክር ትፅቢት ይግበር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.