Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣቋራፂ ሃገር ኢንተርናሽናል ጃንሜዳ ሻምፒዮን ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሻምፒዮና 10 ሺሕ ሜትሮ ዓለም ለኸ ውድድር ጉያ ኣቋራፂ ሃገር ጃንሜዳ ኮይና፡፡

መበል 40 ውድድር ጉያ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ምቁራፅ ሃገር ብድብልቕ ሪሌ ተኻይዱ።

እቲ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ንመበል 40 ግዜ ኣብ ከተማ ሱሉልታ እንትካየድ÷ ሻምፒዮናት ዓለም፣ ኮከባት ኦሎምፒክን ካልኦት ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታትን ተሳቲፎም፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ ኣትሌት ጌጤ ኣለማየሁ 2ይቲ፣ ኣትሌት መቕደስ ኣበበ 3ይ፣ ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ 4ይ፣ ኣትሌት ፎቴን ተስፋዬ 5ይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ 6ኪሎ ሜትሮ ለምለም ንብረት ቀዳመይቲ እትኸውን÷ ኣትሌት መልክናት ውዱን ኣትሌት ትነብ ኣስረስን ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.