Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 3 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ከምዝተለኸፉ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ ካብ ዝርከብ ንደሓር ምስቲ ውልቀሰብ ርክብ ዝነበሮም ሰባት እናተኸታተለ ምፅንሑ ገሊፁ።

ብመሰርት እዚ ምስ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያን ብምትሕብባር ምስቲ ውልቀሰብ ንኽክእ ዝነበሮም 117 ሰባት ተፈሊዮም ክትትል እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ንምፍላይ ዘኽእል ምርመራ ንምግባር ካብቶም ውልቀ ሰባት ናሙና እናተወሰደ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።

ምርመራ ካብ ዝተገበረሎምን በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ውልቀሰብ ንኽክእ ካብ ዝነበሮም ሰባት ውሽጢ ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ።

ካብዚኣቶም ውሽጢ እቶም ክልተ ጃፓናዊያን እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ድማ ወዲ 42 ዓመት ኢትዮጵያዊ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ካብ ስዑድ ዓረብ ዝመፅአን ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠርጠረን ውልቀሰብ፥ ናብ ፊሊኻ መፅንሒ እናተወሰደ እናሃለወ ሃዲሙ ከምዘምለጠን ብዝተገበረ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለን ተገሊፁ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝገበሮ ምክትትታል ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ለጋምቦ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ክኢሉ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ምስቲ ውልቀ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ሰባት ናይ ምፍላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኀብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.